Welcome
Login / Register
Featured
Your video will begin in 7

ምርጫይ ሳዕቤን ኣለዎ ዶ? ትምህርታዊ ድራማ ብዛዕባ ንመናእሰይ ጥዕና ፃታዊ ርክብን ስነ-ተዋልዶን

677 Views

እዚ መሃራይን መዘናግዒን ተዋስኦ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እዩ ተዳልዩ። ዕላምኡ ድማ ምስ ጉዳይ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ኣብ ዙርያ ምጥቃም መቖፃፀሪ ወሊድን ምንፃል ጥንሲን ዘድሃበ ዘተ ንኽካየድ ንምልዕዓል እዩ። ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ ሽድሽተ ቀንዲ ተዋሳእቲ እዚ ተዋስኦ ሶልያና፤ ክብሮም፤ ኣዜብ፤ ቴዲ፤ ሄለንን ተኣምራትን ኣብ ዕድመ ጉርምስንኦም ንመፃኢ ሂወቶም ሳዕቤናት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እዮም ወሲዶም። እዚ ተዋስኦ ኣማራፂታት ስነ-ተዋልዶ ብመልክዕ ሜላታት ምክልኻልን ውሑስ ምንፃል ጥንሰን ብሕጋዊ መንገዲ ቐሪቦም እናሃለው ግን ድማ ልምዲታት ስርዓተ-ፆታ ዘሕድርዎ ፅልዋ ዳህሲሱሎ። ብዛዕባ እቶም ኣማራፂታት ዘሎ ግንዛበ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ዙርያ ዕድመ አከልነትን ዛዕባታት ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ዘሎ ስቕታ እውን ሰፊሕ እዩ። ምስ ምዕቃብ ድንግልና ጓል ኣንስተይቲ ብዝተዛመደ ቅድሚ መርዓ ገደብ ፆታዊ ርክብ እንተሃልዩሞ እንተድኣ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ እተን ደቂ ኣንስትዩ ንኽዳለዋን ዓርሰን ክከላኸላን ኣፀጋሚ እዩ ዝኾነን። እዚ ሓፂር መሃራይን መዘናግዒን ተዋስኦ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ንምዃን ዘኽእሉ ኣማራፂታት ይህልውዶ ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሉሎ። እዚ መሃራይን መዘናግዒን ተዋስኦ ብዛዕባ ንመናእሰይ ጥዕና ፃታዊ ርክብን ስነ-ተዋልዶን ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርገን ብዝሳለጥ መፅናዕታዊ ፕሮጀክት ኣቢሉ ካብ ኖርዊጀን መፅናዕቲ ካውንሲል/ኖርግሉባል ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ ተዳልዩ። ነቲ መፅናዕቲ ዘድሊ መረዳእታ ድማ በዚ ተዋስኦ ኣቢልካ ምስ መናእሰይ፣ ወለዲ፣ መምህራንን ካልኦት ክፋላት ሕብረተስብን ካብ ዝካየድ ዘተ ይርከብ።

Thanks! Share it with your friends!

URL

You disliked this video. Thanks for the feedback!

Sorry, only registred users can create playlists.
URL


Related

Popular

Post your comment

Comments

Be the first to comment