Welcome
Login / Register
Featured
Your video will begin in 7

Mulugeta Kahsay [ Wedi romit] - Kemey aleka Hizbi Tigray |ከመይ ኣለኻ ህዝቢ ትግራይ - 2016

2,494 Views

ከመይ ኣለኻ ህዝቢ ትግራይ ?
==================
ክብሪ ኣሎ
ህዝቢ ትግራይ እንትበሃል ተሎ
ውሽጠይ ፍናን ይወረኒ ኣሎ
ልበይ ተሓጓስ ፍግእ ይብል ኣሎ።

እኮ እሞኮ !
ወዲ ትግራይ እንትብሀኣል እንተሎ
ፍናን ፍናን ይወረኒ ኣሎ
ልበይ ተሓጓስ ፍንፅሕ ይብል ኣሎ።

ከመይ ከ ኣለኻ??
ጥበብ ኮይንካ ተንሳፍፍ ንጥበብ
መዋእልካ በረኸት ትሕለብ
ርቑሕ ሉልይ ሉል ፃዕዳ ከም በረድ
ሓንሳብ ሓፂን ሓንሳብ እውን መብረድ።
ህዝቢ ትግራይ ነጋስን ኣንጋስን
ኣማዚንካ መራሕን ገናሕን።

እሞ ድማ ውሑድን ምዑትን
እናሃለኻ ኮይንካ ድጉርንፋስን
ኣሽንኳይ ንሰብ ንጉኡዝ ተህንን።

ህዝቢ ከም ሓደ ሰብ
ብሓደ ይፅዋዕ ከም ሓደ ይሕሰብ ሓደ ይሕሰብ።

ዕርያ ዝኣምን ማዕርነት ክብሩ
ሕልፊ ዘይደሊ ግን ሕልፊ ገቢሩ
ንኸይጎብጥ ካን ተኣምር
ንዝጎብጦ ሕልፊ መሪር
ናይ ማዕርነት ብዕሪር።

ንትንቢተ ኦሪት መልኣዮ ኣፉ
ደጊም ኣይሓልፍን ግዜ ከም ምሕላፉ
ኣይገድፈናን ሎሚ ከይተማልአና
መን እሞ ሒዙ ክኸድ ሰብ ዋና እንተለና።

ከመይከ ኣለኻ??
እንግድዓኻ ስልጣነ ፋልማዊ
መበቆልካ ንግስተ ሳባዊ
ማይ ፈልግካ ጥበብ ያሬዳዊ
ቤት ፈላስፋ ዘርኣያቆባዊ
መረባኻ ይነትዖ ሊቅነት
መኣድኻ የኾልስ ጅግንነት።

ቶም ደቅኻ ቀያሕትን ፀለምትን
በዓል ገሬን በዓል መሓመድን
እነሆ እንዶ ዛንትኦም ይሕንሕን።

ህዝቢ ከም ሓደ
ሓደ ይፅዋዕ ከም ሓደ ይሕሰብ ሓደ ይሕሰብ


ዕርያ ዝኣምን ማዕርነት ክብሩ
ሕልፊ ዘይደሊ ግን ሕልፊ ገቢሩ
ንኸይጎብጥ ካን ተኣምር
ንዝጎብጦ ሕልፊ እዩ መሪር
ናይ ማዕርነት ብዕሪር።

ንትንቢተ ኦሪት መልኣዮ ኣፉ
ደጊም ኣይሓልፍን ግዜ ከም ምሕላፉ
ኣይገድፈናን ሎሚ ከይተማልአና
መን እሞ ሒዙ ክኸድ ሰብ ዋና እንተለና።
=============
ከመይ ከ ኣለኻ ከመይ ከመይ ኣለኻ
ከመይ ኣለኻ ከመይ ከመይ ኣለኻ
ንቡር ኮይኑኒ ተሓተትኩኻ
መዓዝ እሞ ስሒተዮ ነቲ መልስኻ
ኣንታ ለባመይ ወረጃ ህዝቢ
ደሓን እየ ኢልካኒ ኣዕቢኻ ልቢ ።
እንተ እቲ ኣነ እሞ ይኹርኩሓኒ ኣሎ ይኹርኩሓኒ ኣሎየ ይኹርኩሓኒ ኣሎ ።
ይኹርኩሓኒ ኣሎ ይኹርኩሓኒ ኣሎ ኣንታ እቲ ኣነየ ይኹርኩሓኒ ኣሎ።
=========================================
ድምፃዊ ሙሉጌታ ካሕሳይ [ወዲ ሮሚጥ]
ዜማ ሙሉጌታ ካሕሳይ
መበገሲ ፅሑፍ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡ
መሰረታዊ ግጥሚ ጋዜጠኛ ኣቤል ጉዕሽን ሙሉጌታ ካሕሳይን
ምውህሃድ ሙዚቃን ድምፂ ቀረፃን = ሳምሶን ገብረኣሊፍ
ምትዕርራይን ምፅፋፍን ሙዚቃ [ሚክስኒግን ማስተሪንግን] = ግርማይ ወልደሰንበት ሄሎ ጂ ስትድዮ
ሊድ ጊታር: ይሳቕ ኣብርሃ
ቤዝ ጊታር: ሳምሶን ገብረኣሊፍ
ሳክስፎን: ኣሸናፊ ደገፍ
ክራር : ሙሉጌታ ካሕሳይ
ሕዳር 2009 ዓ/ም

Thanks! Share it with your friends!

URL

You disliked this video. Thanks for the feedback!

Sorry, only registred users can create playlists.
URL


Related

Popular

Post your comment

Comments

Be the first to comment